Tesfalem Gebreslassie mezmur Profile picture
TV Journalist,poet,critic, song writer, and columnist
Apr 24, 2023 6 tweets 2 min read
1 #Eritrea ስቱድዮታት ሙዚቃ ኣስመራ ብስራሕ ተጸሚደን። ኣፍረይትን ቐረጽትን ዓጸፋ ይሰርሑ። “ጥበበይ ንሃገረይ” ናብ ዝለዓለ ጫፍ ይድይብ። ናይ ክብታ ስምዒት ሓበን ይዓርግ። ኣዋርሕ ዝተለማመዱ ናይ ካላስተኒክስ ጥበበኛታት ስርሖም የጻፍፉ። 2 #Eritrea ክንዲ 7 ብርሃን ጸሓይ ክትደምቕ እያ 24 ግንቦት 2023። ኤርትራ፡ ሓራን ልዑላዊትን ሃገር ኮይና ካብ ትጽምብል ድሮ 30 ዓመት መሊኡ። 30 ዓመት፡ ናይ መኸተን ዓወትን ኮይኑ ሓሊፉ።
May 14, 2022 6 tweets 2 min read
2 #Eritrea ካብ መዘክር ጽሑፍ ኣብ ቅንያት ናጽነት
“ማህጸን ኣደታትና ብሩኽ እዩ። ንሃገሩ ዘፍቅርን ጅግናን ጥራይ እዩ ዝውለድ። ሽለት ከኣ ኣይስኣንንን እዩ። ግዳ ዝጠቅም ቁጽሪ ኣይኮነን” በለና፡ ስዉእ ሜ/ጀ ገብረእግዚኣብሄር ዓንደማርያም( ወዲ ኢታይ) 2.1 #Eritrea ኣስመራ- ቀሓውታ 2002 ነበረ፡ ኣባላት መጽሔት ተዓጠቕ ምስ ዉጩ ንሳልስቲ ዝቐጸለ ቃል መሕትት ኣካየድና።ካብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ፡ ጋዜጠኛታት ኣስመሮም ሃብተማርያም፡ ሳሙኤል ኣልመደን ስዉእ ገብረመድህን ገብሩ ተደሪቦሙና።
May 13, 2022 5 tweets 2 min read
1 #Eritrea ካብ መዘክር ጽሑፍ ኣብ ቅንያት ናጽነት
“ኣብ ኤርትራ ድሕሪ እቲ ኣደናቒ ታሪኽ ካልእ ካብኡ ዝበልጽ ታሪኽ ኢኻ ትረክብ።” ቅድሚ 20 ዓመት- ሳዋ፡ ግንቦት 2002፡ኣዛዚ ማእከል ስልጠናን ማእከላይ ግንባርን፡ ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሰ፡ 2 #Eritrea ካብ መዘክር ጽሑፍ ኣብ ቅንያት ናጽነት
ድሕሪ ፍሉይ ሕታም ተዓጠቕ ( ንኡስ መጽሓፍ ብሩራዊ እዮብየሉ ሓርነት ናቕፋ) ዝሃበና ኣተባባዕን መርሓ ሓሳብን።