#ዛዛሚ_ኩናት
** ኣብ ቅንያት ናጽነት ምስ ቅያታት ገድሊ ንናጽነት፡፡ #ጆባእ!!!

ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር፡ ብጻይ ኢሰይያስ ኣፍወርቂ "ናጽነት ኤርትራ ናይ ኣዋርሕ ጉዳይ'ዩ" ዝብል መግለጺ ካብ ዝህብ ኣዋርሕ ሓሊፍዎ ነበረ።
እቲ ክልተ ሰለስተ ግዜ ዝተመሓላለፈ መጥቃዕቲ ደቀምሓረ፡ ካብ ዕለት 19 ግንቦት 1991 " ኣበደን ኣይቅየርን" በለት፡፡ ናይ መወዳእታ ስትራተጂካዊ መጥቃዕቲ ግንባር ደቀምሓረ ድማ ኣብዚ ዕለት ሰዓት 10፡00 ክጅመር ተወሰነ።
ናይ ዜሮ ሰዓት ምስ ኣኸለ፡ ታንክታትናን ከበድቲ ኣጽዋራትናን፡ ንድፍዓት ጸላኢ ክሰሃልኦ ጀመራ፡፡ ብውህደት ኣሃዱታት ክ/ሰራዊት 52፡ ማለት ብርጌድ 45 ብጸጋም፡ 24 ብየማን ንድፍዓት ጸላኢ ተቖጻጸርኦ፡፡
ብመሰረት ዝወጸ ውጥን ክ/ሰ 52 ቀዳማይ ዕማማ ወዲኣ፡ ኣብ ኣፈልባ ብምዕራድ ካብ ጎቦታት ሰሰብ ንቐይሕ-ኮር ኣብ ዘውርድ ገምገም ዝነበረ ጸላኢ፡ ብከበድቲ ብረታት ክትሰሃሎ ጀመረት፡፡
ንጽባሒቱ 20 ግንቦት፡ ኣሃዱታት ክፍላተ-ሰራዊት 85ን 16ን ኣብ ናይ ዕለት 19 ውግእ ከይተታሕዘ ተሪፉ ዝነበረ፡ ናብ ጉራዕን ዓዲ ሃረምን ዘእቱ ዕርድታት ጸላኢ ብብርቱዕ ውግእን ከቢድ መስዋእትን ተቖጻጸርኦ፡፡
ኣብዚ ዕለት ክ/ሰ 52 ዝተታሕዘላ መደብ ኣይነበረን፡፡ መደባ ድሕሪ ምትግባር ውጥን መጥቃዕቲ ክፍላተ ሰራዊት 70ን 16ን ኣብ ከባቢ ውጡሕ፡ ጨጓሮ፡ ዓዲ ጎልጎልን ትኹልን እዩ ዝነበረ።
ድሕሪ ምዝዛም ቀዳማይ ገጽ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ዘውጻእናዮ ውጥን መጥቃዕቲ ካልኣይ ገጽ ሃጓፍ ከም ዘሎ ተሰወጠኒ። ኣብ ከባቢ ሰዓት 13፥00 ንኣዛዚ ኮርና መስፍን ሓጎስ ኣብ ማዕበል ረኺበ፡
ብክ/ሰ 16 ክትፍጸም ተሓሲባ ዘላ መጥቃዕቲ ከምቲ ዝገመትናዮ ክትከይድ ትክእል ከም ዘይኮነት፡ ኣብ ክንዲ ክ/ሰ 16 ንሕና ክ/ሰ 53 ምስቲ ምሳና ለጊቡ ዘሎ ብርጌድ ናይ ክ/ሰ 85 መጀመርያ ከነጥቅዕ ከም ዘሎና፡
እተን ኣብ ጎልጎል ሓመስ ዘለዋ ታንክታት ናባና ጋእ ምስ በካ ድማ ክ/ሰ 16 እንተ ተበገሰት ከም ዝሓይሽ ሓበርክዎ፡፡

እንተ ኮነ ወዲ ሓጎስ " እቲ መደብ ኣይቅየርን እዩ" ዝብል ሓጺር መልሲ ሃበኒ።
ብድሕሪ እዚ ምስ ማእከልነት ብርጌድ መካናይዝድ ኣደም በገ፡ ክሻፋና ሒዝና እንዳ ተኸታተልና፡ ክ/ሰ 16 ብመሰረት ዝወጸ መደብ ከተጥቅዕ ምስ ኣተወት፡ ጸላኢ በተን ኣብ ጎልጎል ደርዲርወን ዝጸንሐ ማእለያ ዘይብለን ታንክታት ጌሩ ን ክ/ሰ 16 ተሳህላ፡፡
ብድሕሪ እዚ ኣዛዚ ኮርና መስፍን ሓጎስ ኣብ ማዕበል ኣትዩ፡ " ክ/ሰ 16 ትሰምዖም'ዶ ኣሎኻ" በለኒ።
" ንሰምዖም ዘይኮናስ ንርእዮም ኣሎና ' ምበር" በልከዎ ብሕርቃን፡፡
" ኣበይ ዲኻ ዘሎኻ? "
" ኣፈልባ ድሕረይ ጌረ፡ ኣብቲ ገምገም ኣለኹ"
" እሞ እንታይ ደኣ ይሓይሽ?"
ነገሩ ድሕሪ ማይ ኣብ ባዓቲ ኮይኑኒ" ዝሓይሽ ንግሆ ነጊረካ እንድየ" በልክዎ።
" ሕጂ እሞ ከምቲ ዝበልካዮ ክትገብሩ ትኽእሉ ዲኹም?" ደጊሙ ሓተተኒ
" ጸገም የብልናን!"
ድሕሪ ዘጋጠመ ዕንቅፋት ጸላኢ ፍናን ረኺቡ፡ ካብ ጉራዕ ንድሕሪት ክመልሰና ክሓስብ ናይ ግድን እዩ ኔሩ፡፡ ስለዚ ምቅልጣፍ የድሊ ነበረ። ወዲ ሓጎስ ዋላ'ኳ፡ " በቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ መደብ ኢና ንኸይድ" ኢሉ እንተነበረ፡ ደሓር ግን ተረዲኡና እዩ።
ንኣዘዝቲ ኣጋር ከቢድ ብረት ኣቀዲምና ሓቢርናዮም ስለ ዝነበርና፡ ናብ ኩሉ ዝጥቃዕ ዕርድታት ጸላኢ ኣሲሮም ወዲኦም እዮም ኔሮም፡፡ ሸውዓተ ታንክታት ምስ ረሻሻት ዝጸዓና መካይንን ጸረ ታንክ ሚሳይል ውን ምሳና ኣብ ኣፈልባ ነበረ።
ኣዘዝቲ በራጊድ ምሉእ መዓልቲ ተዳልዮም ስለ ዝወዓሉ፡ ነጥፍኦ ግዜ ኣይነበረናን።

እተን ምሳና ኣሲረን ዝነበራ በራጊድ ክ/ሰ 85 ከኣ ድሉዋት ነበራ፡፡ ሰዓት 17፡30 ዝጀመረ ደብዳብ፡ ሓደ ሓደ ምትዕርራይ ድሕሪ ምግባር ሰዓት 18፥00
ምድረ ሰማይ ናብ ገሃነብ እሳት ቀየራ፡፡ ድሕሪ'ዚ ሰራዊትና ዘዘሊሉ ክኣቱ እንከሎ፡ ኣየናይ ጸላኢ ደው ክብል፡ መሬት ኣጸቢቑ ከይጸለምተ፡ ዓይኒ ኣብ ምሓዙ ሰዓት 19፡15 መጻሉን ጫፍ ገዛውቲ ናይ ደቀምሓረን ኣፍደገ ቀይሕኮርን ተበጺሑ፡
ጽርግያ ደቀምሓረ ዓላ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርና ኣተወ። ኣሃዱታት ክ/ሰ 85 ከኣ ፡ ብጸጋምና እንዳ ኣጥቅዓ ብምምጻእ ምሳና ኣሰራ፡፡

ንጽባሒቱ 21 ግንቦት፡ እታ ብ7 ታንክታትን ገከ ረሻሻትን ተሰንያ ደቀምሓረ ነኺሳ ዝሓደረት ብርጌድ 19፡
ምስታ ብጸጋማ ኣሲራ ዝነበረት ብጻይ ሚኪኤል ሃንስ ዝመርሓ ብርጌድ ናይ ክ/ሰ 85፡ ብንግሆኡ እየን ናይ ከተማ ውግእ ጀሚረን፡፡ ኣነን በገን ክሻፋ ሒዝና ኩነታት እንዳ ተኸታተልና፡ እተን ትማል ክ/ሰ 16 ዘጥቅዓ ልዕሊ 50 ዝኾና ታንክታት፡
ካብ ኣምሁር ትኽ ኢለን፡ ተገዲመን ናብ ብጻይ ወረደ ዳንኤል (ወዲ ዳንኤል) ዝመርሓ ሓንቲ ብርጌድ ናይ ክ/ሰ 85 ገጸን ክህንደዳ ኣማዕዲና ርኢናየን)።

ብኡ ንብኡ ንወዲ ዳንኤል ብራድዮ ረኺበ " ትርእየን ኣለኻ ዶ እዘን ታንክታት……… ናባኻ እየን……
ታንክታትካን ጸረ-ታንክታትካን ኣዳሉ" በልክዎ። ወዲ ዳንኤል እተን ምስኡ ዝነበራ ታንክታት ካብ ዓዲ ሃርም ከይወረዳ ከም ዝሓደራ፡ ኣብ ኢዱ ዝኾነ ነገር ከም ዘይነበሮ ገለጸለይ፡፡ ኣዝዩ ዘሻቕል፡ ዘይተጸብናዮ ኩነታት እዩ ነይሩ፡፡
ንኣዛዚ ብርጌድ 19 ስዉእ ረዘነ ቸብ-ቸብን ነታ ምስኡ ዝነበረት መካናይዝድ ቦጦሎኒ ረኺብና፡ ኣርባዕተ ታንክታትን ጸረ ታንክታት ቀልጢፎም ናብ ወዲ ዳንኤል ከስግሩ ሓበርናዮም።
ዓሰርተ ደቂቅ ኣይጸንሑን፡ ብጉያ ናብ ቦታ ወዲ ዳንኤል ሰጊሮም ቦታኦም ክሕዙን፡ ታንክታትን ረሻሻትን ጸላኢ መሬት እናዳሮና ህሩግ ክብልኦምን ሓደ ኮነ፡፡
ዘለዎም ኣጽዋር ድማ ናብ ጸላኢ ኣብ ሓጺር ግዜ ፈነዉ፡ 3-4 ታንክታት ድማ ኣቃጸሉ፡ ጸልኢ ብስዚ ተሰናቢዱ ንድሕሪት ኣበለ፡፡ እቲ ወሳኒ መድረኽ ናይቲ መጥቃዕቲ ብዓወት ሰራዊትና ተሰግረ፡፡
ዕለት 21ግንቦት 1991 ከኣ ምሕራር ከተማ ደቅምሓረን ምህዳም ፕረሲድነት መንግስቱ ሃይለማርያምን መዝጊባ ተዛዚማ፡፡ ኣብ ዛዛሚ ኩናት እምበኣር፡ እቲ "ኩናት ካብ ስነፍልጠት ንላዕሊ ስነጥበብ'ዩ" ኣመለኻኽታ ናይ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባርን ካድረታቱን'ዩ፡
ነቲ ኣብ ወሳኒ መድረኽ ናይቲ ግጥም ዘጓነፈ ግድል ፈቲሑ፡ ነቲ ናይ 30 ዓመት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ብኣንጸባራቒ ዓወት ዝዛዘሞ።

ተራኺ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ

ምንጪ መጽሓፍ መፈጸምታ
ርሑስ ቅንያት በዓል ናጽነት!!!
እዚ ዛንታ እንተ ስሒቡካ/ኪ ናብ ኩሉ ክበጽሕ #share ኣይንረስዕ

#EritreaShinesAt30
#EritreaPrevails
#EritreaDefeatCovid19AT30

Mezekr Tarik ኣስመራ
ርሑስ ቅንያት በዓል ናጽነት!!#EritreaShinesAt30
#EritreaPrevails
#EritreaDefeatCovid19AT30

• • •

Missing some Tweet in this thread? You can try to force a refresh
 

Keep Current with 𝐑𝐞𝐚𝐠𝐚𝐧 𝐒𝐢𝐦𝐨𝐧 🇪🇷❤🇪🇷

𝐑𝐞𝐚𝐠𝐚𝐧 𝐒𝐢𝐦𝐨𝐧 🇪🇷❤🇪🇷 Profile picture

Stay in touch and get notified when new unrolls are available from this author!

Read all threads

This Thread may be Removed Anytime!

PDF

Twitter may remove this content at anytime! Save it as PDF for later use!

Try unrolling a thread yourself!

how to unroll video
  1. Follow @ThreadReaderApp to mention us!

  2. From a Twitter thread mention us with a keyword "unroll"
@threadreaderapp unroll

Practice here first or read more on our help page!

Did Thread Reader help you today?

Support us! We are indie developers!


This site is made by just two indie developers on a laptop doing marketing, support and development! Read more about the story.

Become a Premium Member ($3/month or $30/year) and get exclusive features!

Become Premium

Too expensive? Make a small donation by buying us coffee ($5) or help with server cost ($10)

Donate via Paypal Become our Patreon

Thank you for your support!

Follow Us on Twitter!